AMN PLUS -ትግርኛ 18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብቴክኖሎጂ ዝማዕበላ ከተማታት ንምህናፅን ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ዓብይ ዓቕሚ ከምዝፈጥር ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብዕሊ ኣብ ዘጀመርሉ እዋን ተበፃሕነት ምስፋሕ፣ንዜጋታት ማዕረ ዕድል ምፍጣር ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ዜጋታትን ትካላትን ዘሎ ምትእምማን ምጥንኻር ቁልፊ ትልምታት እቲ ስትራቴጂ ከምዝኾኑ ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበልኦ፤ መንግሥቲ መደመር ከተማታት መርኣያ ፈጠራ.፣ቴክኖሎጅን ብልፅግናን ንክኾና እናሰርሐ እዩ።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ከተማታት ስማርት ሲቲ ምግባር ዘኽእል ጠንካራ መሰረት ከምዘንበረ ተዛሪበን።
እዚ ድማ ከተማታት ካብ ምድላው ትልሚ ጀሚሩ ብዲጂታል መንገዲ ንክምርሓን ኣወሃህባ ኣገልግሎተን ምዕቡል ንክኸውንን ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ሓቢረን።
ስለዝኾነ ድማ ንነበርቲ ምችው ከተማ፣ኤሌክትሮኒክ ዕድጊት ከምኡ እውን ንዜጋታት ዝተቐላጠፈ ኣገልግሎት ምሃብ ዝተኽኣለሉ ከምዝነበረ ፀሪሐን።
እቲ ሓዱሽ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ከተማታት ካብ ስማርት ከተማነት ብተወሳኺ ብቴክኖሎጂ ዝማዕበላ ንክኾና ዘኽእል እዩ ኢለን።
እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ልምዓት ከተማ እውን ምስቲ ስትራቴጂ ብቀጥታ ዝዛመድ እንትኸውን፤ ኣጠቓቕማ ሓይሊ፣ምንቅስቓስ ኢኮኖሚን ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ዘስርፅ ከምዝኾነ ኣረዲአን።
ዲጂታላይዜሽን ኣብ መንጎ ዜጋታትን መንግሥትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ወሃቢ ኣገልግሎትን ተቐባሊ ኣገልግሎትን ምትእምማን ከምዝፈጥር ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።
መንግሥቲ መደመር ከተማታት መርኣያ ፈጠራ፣ቴክኖሎጂን ብልፅግናን ንክኾና ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዲጂታላይዜሽን እውን ነዚ ዓወት ቀንዲ ዓቕሚ ከምዝኾነ ተዛሪበን።