አዲስ ሚዲያ ኔትወርክ ብብርኪ ሃገርን ከተማን ዝተተሓዘ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምዕዋት ተሳትፎኡ ኣጠናኺሩ ምቕፃሉ ተገሊፁ

You are currently viewing አዲስ ሚዲያ ኔትወርክ ብብርኪ ሃገርን ከተማን ዝተተሓዘ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምዕዋት ተሳትፎኡ ኣጠናኺሩ ምቕፃሉ ተገሊፁ
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

አዲስ ሚዲያ ኔትወርክ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ዝተኸሎም ፈልስታት ናይ ምንክብኻብ መርሃ ግብሪ ኣካይዱ::

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ብዘካየደቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 40 ቢሊየን ፈልስታት ብምትካል ንሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣርእያ እያ በዚ ድማ ብዙሓት ውፅኢታት ክተመዝግብ ክኢላ እያ::

ኢትዮጵያ ኣብ ዘተግበረቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ሃገር ሓሊፉ ንዓለም ተሞክሮ ብምዃን ጉባኤ ኮፕ -32 ንክተዳልው ምሕራያ ይፍለጥ::

አዲስ ሚዲያ ኔትወርክ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብብርኪ ሃገርን ዝውገኑ ስራሕቲ ልምዓት ሓበሬታ ካብ ምብፃሕ ብዝሓለፈ ድምፂ ወለዶነቱ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ልምዓት ኣሰሩ እናንበረ ይርከብ።

ብምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ማእኸል እፅዋት ጉለሌ ዝተኸሎም ፈልስታት ናይ ምንክብኻብን ማይ ምስታይን መርሃ ግብሪ ኣካይዱ።

ነቲ መርሃ ግብሪ ዘጀመርዎ ዋና ፈፃሚ ስራሕ አዲስ ሚዲያ ኔትወርክ ኣይተ ካሳሁን ጐንፋ ፈልሲ ምትካል ንወለዶ ሓዱሽ ነገር ምቕማጥ ማለት እዩ ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ምንክብኻብ እውን ባህሊ ብምግባር ኣብነት ክንኸውን ይግባእ ኢሎም ::

ሃገርና ብዘፈር ሓምለዋይ ኣሰር እናገበረቶ ዘላ አስተዋፅኦ ውፅኢት ምምዝጋቡ ዝሓበሩ እቶም ፈፃሚ ስራሕ አዲስ ሚዲያ ኔትወርክ ናይዚ ታሪኽ ኣካል ብምዃኑ ዓቢይ ዕድል እዩ ብምባል ዝጀመርናዮ ተግባር ኣጠናኺርና ክንቕፅል ኢና ኢሎም።

ድምፂ ወለዶ ምዃንና እናረጋግፅ ስራሕቲ ልምዓት ተበፃሒ ብምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኣሰርና ብምንባር እውን እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ቤት ፅሕፈት ፅባቐ ከተማን ሓምለዋይ ልምዓትን መራሒ ጉጀለ ኽንክን ኣይተ ካሳሁን ግርማ ብወገኖ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ብዙሓት ፈልስታት ምትካሎምን አዲስ ሜዲያ ኔትወርክ ድማ ዝተኸሎም ፈልስታት ናይ ምክንኻንን ማይ ምስታይን ተግባር እናወገነ ብምዃኑ ዝምስገን ተግባር እዩ ኢሎም ::

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ትካል ተሳቲፎም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply