ፅልዋ ኤ ኣይ ኣብ 2025

You are currently viewing ፅልዋ ኤ ኣይ ኣብ 2025
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 22 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

ኣብ 2025 ዓመተ ፈረንጂ ሰባት ብ ኤ ኣይ ክንደየናይ ተገሪሞም?

ኣብ ዓመተ ፈረንጂ 2025 ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ብርክት ዝበሉ ንምእማኖም ዝኸብዱ ኣገረምቲ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም፤እዚ ድማ ኣብ ቀፃሊ ኸ ኤ ኣይ እንታይ ሓድሽ ነገር ሒዙ ክመፅእ ይኽእል ዝብል ብዕምቆት ንኽትሃስብ ዝገብር ሕቶ ምልዓሉ ግድን እዩ፡፡

ኣብ ምምዕባል ኤ ኣይ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ፈሰስ ክግበር ንብርክት ዝበሉ ሰባት እውን ካብ ስራሕ ወፃኢ ክኾኑ ክኢሎምን ብምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ደቂ ሰባት ወጥሪ ክውስኽ ጌሩ ኣሎ፡፡

እዚ ጥራሕ እንተይኮንስ ኤ ኣይ ስእነት ስራሕ ዝፈጠሮ ፀገም ኣእምራኣዊ ጥዕናን ሕፅረት ኢኮኖሚ ዝወለዶ ቅልውላውን ሒዙ ዝመፀ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ጌርዎ ኣሎ፡፡

ኤ ኣይ ንዓመታት ዝፀንሐ እኳ እንተኾነ ብትካል ቴክኖሎጂ ኦፕን ኤ ኣይ ዝማዕበለ ቻት ጂ ፒ ቲ ኣብ 2022ን ብጎግል ዝማዕበለ ጀሚናይ ድማ ኣብ 2024 ምምፅኦም ስዒቡ ግና ብኣንፃሩ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ናብርኦም ንምልዋጥ ብሰፊሑ እናተጠቐሙሉ ከምዝርከቡ ሲ ኤን ኤን ሒዝዎ ዝወፀ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብዝበለፀ ድማ ኤ ኣይ ኣብ 2025 ዓመተ ፈረንጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ልዑል ፅልዋ ካብ ምፍጣሩ ዝተበገሰ ኣብ ትምህርቲን ስራሕን ብዝህቦም ግልጋሎታት ተኣማንነቱ ክንደየናይ እዩ ኣብ ዝብል ሕቶታት ክሳብ ምልዓል በፂሑ እዩ፡፡

በዚ እውን ኤ ኣይ ካብ መተግበሪታትን ዌብሳይታትን ንላዕሊ ኣብ ከም መንግስቲ፣ዓለምለኸ ንግድን ፋይናንስን ዝበሉ ዓበይቲ ዓውዲታት ልዑል ፅልዋ ከሕድር ክኢሉ ኣሎ፡፡

ብፍላይ ድማ ሃገራት ነቶም ነቶም ዘውፅኦኦም ፖሊሲታት ቅድሚ ተግባራዊ ምግባረን ክንደየናይ ንህዝቢን ሃገርን ዝጠቅም ፖሊሲ ከምዘርቅቓ ከምኡ እውን እቲ ሕጊ ዝህልዎ ቀፃሊ ፅልዋ ንኣውፃእቲ ሕጊ ሓሳባት ከማኽር ኣብ ምግባር ክጥቀማሉ ክኢለን እየን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ንሰብ ትካላትን ኢንቨስተራትን እውን ኣንፈት ዕዳጋ ፈሊጦም ኣብ ዋጋ ብቕልጡፍ ንኽውስኑ ኣኽኢሉ እዩ፡፡

ብኣንፃሩ ግና ተጠቀምቲ ኣብ ኤ ኣይ ሕቶታት ምልዓሎም ኣይተረፈን፡፡ካብቶም ሕቶታት ድማ ኤ ኣይ ኣብ ስራሕ፣ትምህርቲን ማሕበረሰባዊ ርክብን ተኣማኒ ሓበሬታ ይህብ ዶ ዝብሉ እዮም፡፡

ነዚ ንኸውን መልሲ ከዓ ኤ ኣይ ብዝህቦም ግልጋሎታት ሙሉእ ብሙሉእ ምእማን ዘይክኣል እንትኸውን ብዝህቦም ዝተራቐቑ ሓሳባት ግና ብዓይኒ መሳርሒ መፍትሒ ፀገማት ብብርኪ ዓለም ኣብ መፃኢ 2026 እውን ፀላዊ ኮይኑ ከም ዝቕፅል እዩ ተገሊፁ ዘሎ፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply