ሓድሽ ዓመት 2026 ዓመተ ፈረንጂ

You are currently viewing ሓድሽ ዓመት 2026 ዓመተ ፈረንጂ
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 23 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

ሓድሽ ዓመት 2026 ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብድምቀት ተኸቢሩ፡፡

ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዝኽተላ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም ሓድሽ ዓመት 2026 ተቐቢለን ኣለዋ፡፡

ካብዘን ሃገራት ድማ ኣብ ትሕቲ ክፍለ ዓለም ኦሽንያ እትርከብን ብሰላማዎ ውቅያኖስ ዝተኸበበትን ደሴት ሃገር ሪፐብሊክ ኪርባቲ ደወል ሓድሽ ዓመት 2026 ብምድዋል ዝቐደማ የለን፡፡

ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝኾና ኣላስካን ሃዋይን ድማ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓለም ሽግ ሓድሽ ዓመት ብምውላዕ ንዓመተ 2025 ምስተፋነዋ ኣብ መወዳእታ ሓድሽ ዓመት ዘበሰራ ዓዲታት ኮይነን ኣለዋ፡፡

ካብ ኪርባቲ ቀፂላ ኦሺንያዊት ሃገር ኒውዝላንድ እውን ንዓመተ 2026 ቀዲመን ካብ ዘብሰራ ሃገራት ክትስራዕ ከላ ብኣቆፃፅራ ግእዝ ካብ ሰዓት 9፡00 ናይ ለይቲ ጀሚራ ብርችት ሰማያ ዕምበባ ብምምሳል ውቁብ ኣቀባብላ ጌራ እያ፡፡

ኣውስትራሊያ እውን ካብ 1932 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ጀሚሩ ፍሉጥ ኣብ ዝኾነን ንደቡባዊ ከተማ ሲድኒ ምስ ሰሜናዊ ሲድኒ ወይ ከዓ ማያዊ ኣካል እታ ከተማን ዘራኽብ ዓብይ ድልድል ሲድኒ ንሓድሽ ዓመት ብውቁባት ርችታት ኣብ ሰማያ ኣብሲራቶ እያ፡፡

ኣብቲ ኸባቢ ቅድሚ ሕዚ ፀጥታዊ ፀገማት ይርአ ብምንባሩ ኣውስትራሊያ ሓድሽ ዓመት ንምቕባል ኣብ ዝገበረቶ ምድላው ሰላም ንኸይዝረግ ብምሕሳብ ብርክት ዝበለ ሓይሊ ፀጥታ ብምውፋር እያ ነቲ ፅምብል ኣሳሊጣቶ፡፡

በዚ እውን ስነ ስርዓት ምቕባል ሓድሽ ዓመት ሎሚ እውን ከምቲ ልሙድ ኣብ ድልድል ሲድኒ ብሰላማዊ መንገዲ ተሳሊጡ እዩ፡፡

ኣብቲ ሰነ ስርዓት ምቕባል ሓድሽ ዓመት ዝተኣከቡ ነበርቲ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2025 ዓመተ ፈረንጂ ኣብ ገምገም ባሕሪ ቦንዲ ብዝተፈፀመ ግብረ ራዕዲ ህይወቶም ንዝሰኣኑ ዜጋታት ሽምዓ ብምውላዕ ዘኪሮሞም እዮም፡፡

በቲ ዝተፈፀመ ግብረ ራዕዲ ድማ 15 ሰባት ህይወቶም ከምዝስኣኑ ተሓቢሩ ኣሎ፡፡

ነበርቲ ዋና ርእሰ ከተማ ጃፓን ዝኾነት ቶክዮ ድማ ብምብራቓዊ ኣቆፃፅራ ካብ ሰዓት 10፡00 ኣጋ ወጋሕታ ጀሚሮም ንሓድሽ ዓመት 2026 ብሓጎስ ተቐቢሎማ ኣለዉ፡፡

ኣብ ደቡብ ኮርያ ሴኡል ፣ቻይና ቤጂንግ፣ ሆንግኮን፣ታይላንድ ባንኮክ፣ዓባይ ብሪታንያ ለንደን፣ኣሜሪካ ኒው ዮርክ፣ብራዚል ሪዮ ዲጂኔሮ ኣቀባብላ ሓድሽ ዓመት ካብ ዝደመቐለን ዓበይቲ ከተማታት እንትኾና ኣብ ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ዝርክ ፍሉጥን ነዊሕን ህንፃ ዓለምና ቡርጂ ካሊፋ እውን ብረችታት ደሚቑ ወጋሕታ ሓድሽ ዓመት ከምዝተቐበለ ኤ ቢ ሲ ፀብፂቡ፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply