AMN PLUS -ትግርኛ 30 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓት ዘለወን ትሕብብር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘትዮም
AMN ታኅሣሥ 30/2018 ዓ.ም
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓት ዘለወን ትሕብብር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ምዝታዮም ተሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ፣ኢትዮጵያን ቻይናን ንዓሰርተ ዓመታት ዝዘለቐ ጥንኩር ርክብ ኣለወን ብምባል እዚ ርክብ ኣብ ቐረባ እዋን ናብ ብኹነታት ዘይቕየር ስትራቴጂክ ትሕብብር ዓብዩ እዩ ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ ንሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይን ተቐቢለ ብፅንዓት ኣብ ዝጉዓዝ ዘሎ ርክብ መንግስቲ ንመንግስትን ህዝብን ተዘራሪብና ኢሎም።
ኣብ ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ቐረብ ሓይሊ ትራንስፖርትን ኢሉ እውን ሓደሽቲ እናተፈጠሩ ኣብ ዘለው ኢ-ኮሜርስ፣ ዲጂታል ኢኮኖሚ፣ ሰው ሰራሕ ብልሕን ሓምለዋይ ልምዓትን ትህብብርና ንምጥንኻር ዘቲና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።