ባህላዊ ፀጋታት መሰረት ሓባራዊ ሓቅታትን ብሄራዊ ተረኻትን እዮም

You are currently viewing ባህላዊ ፀጋታት መሰረት ሓባራዊ ሓቅታትን ብሄራዊ ተረኻትን እዮም
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 5 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ባህላዊ ፀጋታት መሰረት ሓባራዊ ሓቅታትን ብሄራዊ ተረኻትን ስለዝኾኑ ንህንፀት ሃገር ዘለዎም እጃም ንምጉላህ እናተሰርሐ እዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

በዓል መለወጢ ዘበን ቤንች “ቢስት ባር”ኣብ ከተማ ሚዛን ኣማን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ተኸቢሩ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ማእኸል ብዝሃ ባህልታትን መርኣያ ምክእኣልን ዝኾነት ዓባይ ሃገር እያ።

ንከፋፋሊ ተረኽ ዘይምችዉ ህዝብታት ዝርከቡላ ስለዝኾነት እቶም ህዝብታት ኣብ ኩሎም ከባብታት ኣብ ባህላዊ በዓላትን ካልኦት ኩነታትን ሓድነቶም ደሚቑ እናተርኣየ እዩ ኢሎም።

ባህላዊ ፀጋታት ብሄረሰባት ድማ መሰረት ሓባራዊ ሓቅታትን ብሄራዊ ተረኽን ስለዝኾኑ ንህንፀት ሃገር ዘለዎም እጃም ጎሊሁ ንክወፅእ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ ዝተኸበረ በዓል መለወጢ ዘበን “ቢስት ባር” ዝበፅሐ እኽሊ ብምጥዓም ናብ ሓዱሽ ዓመት ዝሰጋገርሉ ከምኡ እውን እቲ ክረምቲ ብሰላም ስለዝሓለፈ ምስጋና ዝቐርበሉ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ሕድ ሕዳዊ ርክብ ዝጠናኸረሉን በዓል ይቅርታን ስለዝኾነ መንደቕ ፅልኢ ብምፍራስ ሰላም ናይ ምፅናዕ ፀግኡ ካብቲ ክልል ሓሊፉ ንሃገር እውን ዝጠቅም ከምዝኾነ ሓቢሮም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply