መንግሥቲ መደመር ኢትዮጵያውያን ዘተኣሳስር ገዛኢ ተረኽ ንምህናፅ ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ተረኻት ንምህናፅ ዝዓለመ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ ጅማ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) “ሃገራዊ መንነት፣ሓባራዊ ተዘክሮታትን ተቐባልነት ሃገረ መንግስትን፣ተሞኩሮን እዋናዊ ዝተተለሙ ኣንፈታትን ኢትዮጵያ”ብዝብል ርእሲ መንግሥቲ መደመር ሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝሓዞም ቁልፊ ኣንፈታት ዘመላኽት ፅሑፍ ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪቦም።
ኣብ ፅሑፎም እውን፤ ኢትዮጵያ ጥንታዊት፣መቦቆል ስልጣነ፣ልምምድ ስነ መንግስቲ ዘለዋ፣ፈላመይቲ ኣባል ሊግ ኦፍ ኔሽንን መስራቲት ሕብረት ኣፍሪካን ከምዝኾነት ኣረዲኦም።
ኣብ 1888 ዓ/ም ዝተረኸበ ዓወት ዓድዋ እውን ዋላ ኳ መርኣያ ነፃነት ዝተጎናፀፈት፣ብቋንቋ፣ባህልን መንነትን ዝተዓደለት ንክትኸውን እንተኽኣላ ፀገም ተቐባልነት ሃገረ መንግሥቲ ካሊእ ፈታኒ ምስላ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ ኢሎም።
ሓባራዊ መንነትን ተዘክሮን ኢትዮጵያውያን ብመስተጋብር ንግዲ፣ሃይማኖት፣ፍልሰትን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ዝተፈጠረ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገና ዘይተዛዘመ ብምዃኑ ዝተረጋግዐን ተቐባልነት ዘለዎን ሃገረ መንግሥቲ ምህናፅ ናይ ኩሉ ተሳትፎ ከምዝሓትት ኣረዲኦም።
መንግሥቲ መደመር ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብግልፂ ኣንፈት ብምሕንፃፅ ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ብሄራዊ ምርድዳእን ዕርቅን፣ብሄራዊ ገዛኢ ተረኽን ዕዳጋ ሓሳብን፣ሓሳባዊ ፖለቲካን ዲሞክራሲያዊ ምርድዳእን፣ልኣላዊነት ኢኮኖምን ብልፅግና ሃገርን ንምርግጋፅ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፣ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰዓዳ ኣብዱረህማን፣ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኦሮሚያ ከፍያለው ተፈራ፣ካልኦት ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።