ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክምሓደር መረፃ ኣብ ትግራይ ግድን ‘ዩ-ኣይተ ኣብርሃም ፅጌ

You are currently viewing ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክምሓደር መረፃ ኣብ ትግራይ ግድን ‘ዩ-ኣይተ ኣብርሃም ፅጌ
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 2 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክምሓደር መረፃ ኣብ ትግራይ ግድን ‘ዩ ክብሉ መስራትን ርክብ ህዝቢን ፓርቲ ትንሳኤ 70 እንደርታ ፓርቲ ኣይተ ኣብርሃም ፅጌ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ኣብርሃም ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ መረፃ ንምክያድ ዝኽእል ኹነታት ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ዋላኳ ብዓብይኡ ናይ መንግስቲ ተኾነ ኣብ ትግራይ ግን ህዝባዊ ተፃዋዕነት ዘለዎ መንግስቲ ብዘይ ምህላው ናይ ምምራፅ ሕገ መንግስታዊ መሰል ህዝብና ንክረጋገፅ ህዝቢ፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ኻልኦትን ልድለ ፀቅጢ ክፈጥሩ ናይ ምምራፅ መሰሎም ከይጥቀሙ ብሓይሊ ዓፊኑ ልሓዘ ሓይሊ ይኾኖ ክብሉ ይግባእ ፡፡

ስለዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክምሓደር መረፃ ኣብ ትግራይ ግድን’ ዩ ኢሎም፡፡

ዝሓሸት ትግራይ ንኹሉ ሓቋፊት ዝኾነት ትግራይ ንክትኾን ክንሰርሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ኣብርሃም ፤ እታ ክልል ካብ ምብትታን ንምድሓን ፤ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ንባዕሉ ሓድነት ሃልይዎ ጠንካራ ዝኾነት ትግራይ ምፍጣር የድሊ ፤ ሰዓቱ ድማ ሕዚ እዩ ኢሎም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ጊዜን ኸባቢን መረፃ የድልዮ ‘ዩ፤ ንዓመታት ብዘይ መረፆ ሓይሊ ብሓይሊ እናተረገፀ ኣደዳ ስደትን ሞትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ናብ ለይደልዮ ኹናት ክኣቲ እናተገበረ ፀኒሑ ‘ዩ።

መረፃ ትግራይ ተጋሩ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ተሳተፍቲ ጥራይ ዘይኾኑስ ወሰንቲ ዝኾኑሎም ዕድላት ይፈጥር ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ኣብርሃም፤ ህዝቢ ትግራይ ይኾነኒ ‘ዩ ኢሉ ብዝመረፆ ውድብ ክምራሕ ይግባእ፤ እዙይ ኣብ መረፃ ዝኣቱ ዘይኾነስ ናይ ምውሳን መሰልኻ ንምጥቃም ዘኽእል ግቡእ ውሳነ ‘ዩ ኢሎም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply