ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ስራሕቲ ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣጀሚሮም

You are currently viewing ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ስራሕቲ ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣጀሚሮም
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 2 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ስራሕቲ ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣጀሚሮም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ÷ ቅልጡፍ ዕቤት ትራንስፖርት ኣየር ኢትዮጰያ እናሰፍሐ ዝመፅአ ዓለም ለኸ ምትእስሳር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘላቒ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ነዚ ድማ ብዓመት ናብ 25 ሚሊዮን ዝፅግዑ መገደኛታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ካብ ዝበፅሐ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብተወሳኺ ሓዱሽ ሜጋ ጣቢያ እናለምዐ ይርከብ ክብሉ ሓቢሮም።

እዚ ዝተፈላለዩ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ምህናፅ ስትራቴጂ ንኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ መሪሕ በሪ ትራንስፖርት ኣየር ናይምግባር ዕላማ ዝተሓንገጠ ኢዩ።

ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ኣየር ክኸውን ኢዩ። እዚ ድማ ምስ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ሪፎርም ኢትዮጵያ፣ ኣጀንዳ መስፋሕፍሒ ኢንደስትሪን ናይ ነዊሕ ዘበን ስትራቴጂ ኣቪየሽንን ዝተናበበ ኢዩ።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply