ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ምፍታሕን ምእካብ እቶት ምውሳኽን ቀዳምነት ስራሕቲ ኣመራርሓ ከምዝኾኑ ኣይተ ሽመሊስ ኣብዲሳ ገሊፆም

You are currently viewing ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ምፍታሕን ምእካብ እቶት ምውሳኽን ቀዳምነት ስራሕቲ ኣመራርሓ ከምዝኾኑ ኣይተ ሽመሊስ ኣብዲሳ ገሊፆም
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 13 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ገምጋም ኣፈፃፅማ 6 ኣዋርሕ ስራሕቲ መንግስቲ ክልል ኦሮምያን ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ውድብ ብልፅግና ክልል ኦሮሚያን ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።

ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ አብዲሳ ኣብቲ ናይ ገምጋም መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ፤ እቲ ዝድለ ዕብየትን ብልጽግናን ንምምዝጋብ ኣመራርሓ ኣብ ምዕባይ ምእካብ እቶትን ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምፍታሕን ትኹረት ክገብር ይግባእ ኢሎም።

ኣመራርሓ ብዝተመዝገቡ ዓወታትን ውፅኢታትን ከይተመከሐ፣ ንዝዓበየ ውፅኢት ንባዕሉ ክዳሎን ቀፃሊ ዓወታት ንምምዝጋብ ኣበርቲዑ ክሰርሕን ኣተሓሳሲቦም።እቲ ኣመራርሓ ኣብ ምምዕባል ባህሊ ዕቋርን ልቓሕን እጃሙ ክፃወት ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።

እቶም ፕረዚደንት ኣብ መደረኦም፤ ብዘይ እቶት ዕብየት ስለዘየለ እቲ ኣመራርሓ ኣብ ምእካብ እቶት ትኹረት ክገብር ይግባእ ኢሎም።

ብተደጋጋሚ ዝተገምገሙን ዘይተፈትሑን ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ሱር መሰረቶም ተለልዮም ፍታሕ ክቕመጠሎም ዘተሓሳሰቡ እቶም ፕረዚዳንት፣ ጠለባት ህዝቢ ብግቡእ ንምምላስ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ተጀሚሮም ዘለዉ ልምዓታዊ ተበግሶታት ምዕዋት ከምዘድሊ ኣስሚሮምሉ።

እቲ ዝድለ ብልጽግና ንምርግጋጽ፡ እቶም ሰለስተ ዓቕምታት ልምዓት ማለት ናይ ውልቀ፡ መንግስታውን ህዝባውን ዓቕምታት ተዋዲዶም ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ክውዕሉ ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ከፍያለው ተፈራ ብወገኖም፣ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዝተመዝገበን ናይ መንግስቲ ናይ ምትግባር ዓቕሙ በብእዋኑ እናተመሓየሸ ከምዝመጸን ገሊፆም

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply