AMN PLUS-ትግርኛ 13 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገኑ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት መንበሪ ኣባይቲ ንፀገም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መራሕቲ ስድራ ዘተኣማምን መፅለሊ ምርካብ ኽኢሎም እዮም።
ብብርኪ ስድራ ድሕንነቶም ዝተሓለወ፣ዘላቕን ዘተኣማምንን መንበሪ ኣባይቲ ብምስፋሕ ኩነታት መነባብሮ ኣብ ምምሕያሽ ይርከቡ።
ዋላኳ ድልየት መንበሪ ኣባይቲ ሕዚ እውን ልዑል እንተኾነ፥መንግስቲ የ

ኢትዮጵያ ስሩዕ ኣቕርቦት መንበሪ ኣባይቲ ምስ ማሕበራዊ ድጋፍ ብምውዳድ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናወገነ ይርከብ።
ቐፃልነት ካብ ዘለዎም መርሃ ግብርታት ከተማን ማሕበረሰብን ተኮር ስራሕቲ ልምዓት ብተወሳኺ፤ ዓመታዊ ኣገልግሎት ክረምታዊ ወለንታውነት ቀንዲ መርሃግብሪ መንግስቲ ኾይኑ ቐፂሉ እዩ።
እዚ መርሃ ግብሪ ገበርቲ ሰናይን ትካላት መንግስትን ብምትሕብባር ኣብ ዝፈረሱን ብውሕጅ ዝተጎድኡን ኣባይቲ ዝነብሩ ኣረጋውያንን ዓቕመ ድኹማንን ኣባይቲ ናይ ምፅጋንን ምህናፅን ስራሕቲ ተወጊኖም እዮም።
በዞም ፃዕርታት እዚኣቶም ብማእኸላይ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መራሕቲ ስድራ ዘተኣማምን መንበሪ ኣባይቲ ዝረኸቡ ኮይኖም፤ እዚብከም ሃገር ሓቛፊ ልምዓት ንምርግጋፅ ናብራ ንምምሕያሽ ኢትዮጵያ እናገበረቶ እትርከብ ዕብየት ዘርኢ እዩ።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር