ፀቢብን መፍርሕን መደያይቦ

You are currently viewing ፀቢብን መፍርሕን መደያይቦ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 12 ጥሪ 2018 ዓ/ም

“ጌሮ” ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ጃፓን ዝተሰርሐ መደያይቦ ብኣስጋእነቱ ትኹረት ማሕበራዊ ሚድያ ስሒቡ፡፡

ኣብ ጃፓን ጌሮ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ናብ መንበሪ ኣባይቲ ንምድያብ ተባሂሉ ኣብ ብማእኸል ፀድፊ ዝተሰርሐ ፀቢብን መትሐዚ ዘይብሉን መደያይቦ ሰባት ብፍላይ ድማ ሰብ ፀጋ ዕድመ ክሓልፉሉ ከለዉ ኣዝዩ ዘፀግምን ዘፍርሕን ከምዝኾነ ዘ ጋርዲያን ይሕብር፡፡

እዚ መደያይቦ 10 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ እንትኸውን ኣዝዩ ሓደገኛ መደያይቦ ካብ ምዃኑ ዝተበገሰ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ተራእዩ እዩ፡፡

እቲ መደያይቦ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ክርአ ዝኽኣለ ብሓደ ጀማሪ ብዓል ሞያ ፎቶ ግራፍ ፎቶ ተላዒሉ ድሕሪ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ምውዝዑ ስዒቡ ከምዝኾነ ድማ እቲ ፀብፃብ ኣረዲኡ፡፡

ከም ሓበሬታ ፀብፃባት እቲ መደያይቦ ዝተሰርሐሉ መንደቕ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1960ታት ዝተሃነፀ እንትኸውን ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኣመሓደርቲ ኣብቲ ዙርያ ዘለዉ መንበሪ ኣባይቲ ብሓደጋ ውሕጅ ከይጥቅዑ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ እዋን እቲ መደያይቦ ፀቢብ ኮይኑ ዝተሰርሐሉ ምኽንያት ድማ ንህንፀት ብዙሕ ወፃኢ ንዘይምውፃእ ወይ ከዓ ገንዘብ ንምቑጣብ ተሓሲቡ ከምዝኾነ ድማ ገለ ነበርቲ ይግምቱ፡፡

ፎቶታትን ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን እቲ ሓደገኛ መደያይቦ ጃፓን ንሰሙናት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ክርአዩ እንተፀንሑ እኳ እቲ መደያይቦ ብሓደገኛነቱ ክፍለጥ ዘይደለየ ቤት ፅሕፈት ቱሪዝም ከተማ ጌሮ ነቲ ቦታ ንዑደት ክፍቲ ክገብሮን መባፅሕ ቱሪዝም ክገብሮ ከምዘይደሊ ሓቢሩ፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ዝበለሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ናብቲ ቦታ ዝመፁ በፃሕቲ ናብቲ መደያይቦ ክድይቡ ከለዉ ጉድኣት እንተበፂሕዎም ተሓታቲ ንዘይምዃን ከምዝኾነ ኣረዲኡ፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply