AMN PLUS-ትግርኛ 12 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ፕረደዚንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ግሪንላንድ ንምቍጽጻር ንዘቕረበዎ እማመ ኣብ ልዕሊ ዝቃወማ ሃገራት ኤውሮፓ ታሪፍ ክድንግጉ ምዃኖም ክገልፁ ከለው፡ ነዚ “100 ሚእታዊ” ግብራዊ ከም ዝገብርዎ ኣፈራሪሖም። ይኹን እምበር መሓዙት ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ዙርያ ልኡላውነት ግሪንላንድ ከምዘይደራደራ ይገልፃ ኣለዋ።
ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ዴንማርክ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ሓውሲ ዓርሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ግዝኣት ዴንማርክ ዝሖነጽ ግሪንላንድ ንምውናን ዝኸድዎ ዘለዉ ምፍርራሕ ዝተሓወሶ ኣካይዳ ልኣላነውታ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዘይክእል ኣስሚሮምሉ።
ጸሓፊት ጕዳያት ወጻኢ ብሪታንያ ኢቨት ኩፐር ብወገነን ኣብ መጻኢ ግሪንላንድ “ግሪንላንዳውያንን ዴንማርካውያንን ጥራሕ፡” ክውስኑ እዮም ዝብል መርገጺ ሃገረን ደጊመን ኣረጋጊፀን።
ትማሊ ሰኑይ ትራምፕ፡ ነቲ ዘለዎም ባህጊ ንምዕዋት ሓይሊ ምጥቃም ከም ዘየድሊ ብምግላጽ፡ካብ ዓባይ ብሪታንያን ካልኦት ሸውዓተ መሓዙት ኔቶ ዝዀና ሃገራትን ናብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዘእትዎኦ ኣቑሑት ግብራዊ ክገብርዎ ዝሓሰብዎ ቀረፅ ንግዲ ከም ዘይተርፍ ምፍርርሖም ግና ኣይተረፈን፡፡
ብኤን ቢ ሲ ኒውስ፡ ግሪንላንድ ንምሓዝ ሓይሊ ክትቀሙ ዲኹም ተባሂሎም ዝተሓተቱ ትራምፕ “ርእይቶ የብለይን፡” ክብሉ መልሲ ሂቦም፡፡

ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ዋሽንግተን ንግሪንላንድ ካብ ዴንማርክ ክትገዝእ ኣብ ስምምዕ ክሳብ ዝብጻሕ፡ ካብ መፃኢ ሓደ ለካቲት ጀሚሩ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝለኣኹ ኣቑሑታት 10 ሚኢታዊ ቀረፅ ከኽፍሉ ምዃኖም ዝሓበሩ እንትኾኑ ካብ ሓደ ሰነ ጀሚሩ ድማ እቲ ቀረፅ ናብ 25 ሚኢታዊ ክብ ከምዝብል ሓሮም፡፡
እቶም ፕሬዝደንት ተመሳሳሊ ስጕምቲ ምንባር ቀረፅ ኣብ ልዕሊ ዴንማርክ፡ ኖርወይ፡ ስዊድን፡ ፈረንሳይ፡ ጀርመን፡ ሆላንድን ፊንላንድን ከምኡ እውን ኣብ ኵለን ኣባላት ናይቲ ኣብ 1949 ዝተመስረተ ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝኾነ ሓይሊ ኔቶ ግብራዊ ከም ዝኸውን ኣፍሊጦም።
እዚ ምፍርራሕ ቀረፅ በቲ ዝተትሓዘሉ መደብ መሰረት 100 ሚኢታዊ ተግባራዊ ከምዝኸውን ድማ ትራምፕ ብዓርሰ ምትእምማን ተዛሪቦም፡፡
ትራምፕ ወሲኾም፡ “ኣውሮፓ ኣብቲ ምስ ሩስያን ዩክረይንን ዝግበር ኲናት ከተተኩር ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ብግልጺ ክዛረብ እንተዀይነ፡ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ክትርኢ ኣለካ… ኤውሮፓ ኣብኡ እያ ከተተኵር ዘለዋ – ኣብ ግሪንላንድ ኣይኮነን፡”ምባሎም ድማ ቢቢሲ ብ ኣርእሰተ ዜና ኣውፂእዎ ኣሎ።
ዴንማርክ ኣብ ግሪንላንድ ወተሃደራዊ ስጕምቲ እንተተወሲዱ መወዳእታ ኔቶ ከም ዝኸውን ኣጠንቂቓ ምንባራ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ግሪንላንድ ካብ ኣውሮፓውያን ኣባላት እቲ ኪዳን ደገፍ ረኺባ’ያ፤ ከምኡ እውን ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ወተሃደራት ናብ ግሪንላንድ ኣትዮም እዮም።
እዚ ምውፋር ድማ ንትራምፕ ኣብ ልዕሊ እተን ሸሞንተ መሓዙት ሃገራት ኔቶ ቀረጽ ክግብር ከምዘለዓዓሎም ይሕበር፡፡
ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ዴንማርክ ላርስ ሎሌ ራስሙሰን ግና ኣውሮፓ ምፍርራሕ ቀረፅ ፕረዚደንት ትራምፕ “ንቕድሚት ዝወስድ መንገዲ ከም ዘይኰነ” ክተርኢ ከም ዘለዋ ገሊፆም።
እቶም ሚንስትር ንስካይ ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ “ክስገሩ ዘይክእሉ ቀያሕቲ መስመራት ኣለዉና፡” ኢሎም።
“ግሪንላንድ ንምውናን ከተፈራርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ኵነታት ንኸጋድዶ ሓሳብ የብለይን።”ብምባል ድማ ግሪንላንድ ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዝግበር ፃዕሪ ትራምፕ ብዝኾነ መንገዲ ከምዘይዕወት ዘለዎም ተሪር መርገፂ ኣንፀባሪቖም፡፡
ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩት፡ እቲ ኪዳን ምስ ዴንማርክን ግሪንላንድን ኣብ ጸጥታ ኣርክቲክ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊፆም።
ሕብረት ኣውሮፓ ብወገኑ፡ መራሕቱ መፃኢ ሓሙስ ኣብ ቤልጄም ብራስለስ ህጹጽ ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖምን ትራምፕ ግሪንላንድ ንምሓዝ ንዘቕርብዎ ዘለዉ ምፍርራሕ ብኸመይ ምላሽ ከም ዝህቡ ክዘራረቡ ምዃኖምን ተፈሊጡ ኣሎ።