AMN PLUS-ትግርኛ 12 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሎሚ መዓልቲ መበል 52 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ መበል 52 ስሩዕ ኣኼባኡ ዘሕለፎም ውሳነታት፤
1. ፈለማ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ምኽላስ ረቂቕ ኣዋጅ ጉምሩክ እዩ። እቲ ዝጸንሐ ኣዋጅ ጉምሩክ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ድንጋገታቱ ምስ ደረጃ ዕብየት ኣህጉራዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ንምጥዕዓም ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገርና እናዓበየ ዝመፀ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ንምምዕባል ዝድግፍ፡ ከምኡ’ውን ሕጋዊ ንግድን ኢንቨስትመንትን ልምዓትን ንምትብባዕን ዝዓለመ ኣዋጅ ተዳልዩ ኣሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ድንጋገታት ኣዋጅ እታዎታት ብምውሳኽ ንኽፀድቕ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ክሓልፍ ብሙሉእ ድምጺ ወሲኑ።
2. ብምቕፃል ሽቲ ቤት ምኽሪ ዝተዘተየሉ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ዝግበር ምትብባዕ ግብሪ ዝምልከት ረቂቕ ደንቢ እዩ። ንዕብየት ኢኮኖሚ ሀገርና ዓቢይ ኣስተዋፅኦ ንዘለዎምን ፈለማ ንዝውሃቦም ፣ ከምኡ እውን ዓቢይ ካፒታል ንዝሓቱ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ኣብ ስራሕ ዝውዕል ካፒታል ኣብ ግምት ዘእትውን ኣብ ኣፈፃፅማ ዝተመስረተ ስርዓት መበረታትዒ ኢንቨስትመንት ምዝርጋሕ ኣድላይ ኾይኑ ብምርካቡ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተዳልዩ ቐሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ደንቢ ብዕምቆት ብምዝታይ እታዎታት ብምውሳኽ፣ እቲ ደንቢ ኣብ ጋዜጣ ነጋሪት ፌደራል ተሓቲሙ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
3. ኣብ መወዳእታ እቲ ቤይ ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ልምዓት ኢንተርፕረነርሽፕ ኣድሂቡ ኣብ ዝገበሮ ዘተ ኣብ ዘፈራት ኢንተርፕረነርሽፕ ዝውገኑ ተግባራት ቐፃልነት ሃሊዩዎም ንሃገራዊ ረብሓ ዘለዎም ሽቶታት ልምዓት እጃሞም ንክዋፅኡ፣ ባህሊ ፈጠራ ብምጉልባትን እሴት ንምውሳኽ ዘኽእል ምቹው ስነ ምህዳር ኢንተርፕረነርሽፕ ንምህናፅ ተዳሊዩ ቐሪቡ፡፡እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ፖሊሲ ብዕምቆት ብምዝታይ እታዎታት ብምውሳኽ፣ እቲ ፖሊሲ ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ካብ ዝፀደቐሉ ካብ 12 ጥሪ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።