AMN PLUS-ትግርኛ 11 ጥሪ 2018 ዓ.ም
ካብ ኣፈላላይ ሓድነትና ብምቕዳም ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትና ብምዝታይ ሓፁራት ፅልኢ ክነፍርስ ኣለና ኢለን ከንቲባ አዳነች አቤቤ ።
ከንቲባ አዳነች አቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ጃንሜዳ ተረኺብና እንኳዕ ንበዓል ጥምቀት ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም ኢልና ኢለን፡፡
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ካብ ሓጥያት ሞት ብፍቕሪ፣ብምሕረትን ርህራሄን ከድሕን ሰብ መሲሉ ካብ ድንግል ማሪያም ኣብ ቤተልሔም ተወሊዱ፣ኣብ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ ንዓለም ከምዝተገለፀ፤ ንሕና ድማ ዕላማ ጥምቀት ተረዲእና ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ክንነብሮ ይግባእ።

እዚ ድማ ቂምን ፅልእን ተናጊፍና፤ ካብ ቀይሚ ይቕሬታ፣ ካብ ኣፈላላይ ሓድነትና ብምቕዳም ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትና ብምምኽኻር ሓፁራት ፅልኢ ክነፍርስ ይግባእ ኢለን።
ኣብ ክንድኡ ድልድላት ፍቕሪ፣ ሰላም፣ ይቅሬታን ሓድነትን ክንሃንፅ ይግባእ።
በዓል ጥምቀት መግለፂ በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ፤ መግለፂ ሓድነትና፣ ምፍቕቓርናን ሰላምናን ከምኡ እውን መግለፂ ኢትዮጵያዊ ጨዋነትና ናይ ሓበራዊ ፅባቐና ነፀብራቕ እዩ ክብላ ገሊፀን።
ርሑስ በዓል ክብላ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን፡፡