ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ንዓባይ ብሪታንያ ኣጠንቂቖም

You are currently viewing ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ንዓባይ ብሪታንያ ኣጠንቂቖም
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 22 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ብሪታንያን ቻይናን ቁጠባዊ ርክብ ምፍጣረን ስዒቡ ፕሬዝደንት ትራም ንብሪታንያ ኣጠንቂቖም፡፡

ረብሕኦም ጥራሕ ዘቐድሙ መራኺ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ ፕሬዝደንት ትራምፕ ምስ ቻይናን ሩስያን ዝኣተውዎ ዝሑል ኩናት ከይኣክል ሕዚ ድማ ምስ መሻርኽቶም እውን ምጉርባጥ ጀሚሮም ኣለዉ፡፡

ብምፍላይ “ኣብ ጉዳይ ግሪንላንድ እንተዘይደጊፍኩምኒ ሰፍ ዘይብል ቀረፅ ከንብረልኩም እየ” እትብል መፈራርሒት ሓረግ ኣብ ልዕሊ ናተይ ዝብልዎም ሃገራት ኣውሮፓ ካብ ምስምዖም ጀሚሩ ሃገራት ኣውሮፓ ቁጠብአን ንዘይ ምህሳይ ምስ ቻይና ርክብ ምግባር ምጅማረን ድማ ንትራምፕ ኣይኣሐጎሶምን፡፡

ናይዚ መርኣያ እውን ምስ ቻይና ቁጠባዊ ርክብ ክገብር እየ ንዝበለት ብሪታንያ ምጥንቃቖም ካብ ሮይተርስ ተሰሚዑ ኣሎ፡፡

ቀዳማይ ሚንስትር ኬር ስታርመር ትማሊ ሓሙስ ናብ ቻይና ዘምርሑ እንትኾኑ ሃገሮም ምስ ቻይና ብእትገብሮ ቁጠባዊ ርክብ ድማ ተረባሒት ከም እትኸውን እዮም ገሊፆም፡፡

ምስ መዘንኦም ዢ ዢንፒንግ ንሰለስተ ሰዓታት ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ ድማ ብሪታንያ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት፣ምንካይ ቀረፅን ከምኡ እውን ርክብ ኣብ ዘጠናኽሩ ስፖርታዊ ፀወታታት ኣድሂቦም ተዘራሪቦም እዮም፡፡

እዚ ዘይተውሓጠሎም ትራምፕ ብወገኖም “እዚ ጉዳይ ንብሪታንያ ከቢድ ነገር ከስዕብ እዩ” ክብሉ ማሌንያ ብዝብል ርአሲ ዝተሰርሐ ፊልም ንፈለማ እዋን ኣብ ማእኸል ጥበባትን ባህል ኬነዲ ቅድሚ ምርኣዩ ንጋዜጠኛታት ክዛረቡ ተሰሚዖም ኣለዉ፡፡

ትራምፕ ነዚ መፈራርሒ ቃል ኣብ ልዕሊ ምስ ቻይና ዕርክነት ንምፍጣር እትፅዕር ዘላ ብሪታንያ የውፅኡ እምበር መፃኢ ሚያዝያ 2026 ግና ናብ ቤጂንግ ንምምራዕ መደብ ኣለዎም፡፡

ይኹን እምበር ሽዑ እንታይ ከምዝብሉ ግና ኣይፍለጥን፡፡

ብዝኾነ እዚ ተመሳሳሊን ዝተለመደን መፈራርሒ ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ካናዳ ምስ ቻይና ቁጠባዊ ርክብ ክትፈጥር ምዃና ብቀዳማይ ሚንስትራ ማርክ ኬርኒ ኣቢላ ምዝራባ ስዒቡ በረፅ ብምንባር ከፈራርሑ ተሰሚዖም እዮም፡፡

ትራምፕ ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ዋላ የፈራርሑ እምበር ብሪታንያ ግና ካብ ግልጋት ናፃ ቪዛ ምሃብ ጀሚሩ ካልኦት ርክባታ ምስ ቻይና ከም እተጠናኽር ካብ ምግላፅ ንድሕሪት ከምዘይበለት እቲ ፀብፃብ ኣረዲኡ፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply