AMN PLUS-ትግርኛ 22 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ብዝተፈላለዩ መማረፅታትን ቋንቋታትን ቴክኖሎጂን ተወዳዳሪ ሚድያ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ኣይተ ካሳሁን ጎንፋ።
ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ናይ 6 ኣዋርሕ ትልሚ ገምጊሙ።
ኣብቲ መድረኽ ገምጋም ላዕለዎት ኣካየድቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን እቲ ትካል፣ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ኣይተ ካሳሁን ጎንፋ ሓዊሱ ተረኺቦም።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣዲስ ሚዲያ ኔትዎርክ ኣይተ ካሳሁን ጎንፋ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፅዎ እቲ ሚድያ ብትሕዝቶ ኣቀራርባ፣ ብቴክኖሎጂን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ለውጢ ኣምፂኡ እዩ ኢሎም።

እቲ ሚዲያ ሕቶታት ህዝቢ ዝጋውሐሉ፣ ፀገማት ኣወሃህባ ግልጋሎትን ሰናይ ምምሕዳርን ንክፍትሑ ዘኽእሉ መድረኻት ምፍጣሩ ኣይተ ካሳሁን ገሊፆም።
ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ብዝተፈላለዩ መማረፅታትን ቋንቋታትን ቴክኖሎጂ ሓዊሱ ብዘለዎ ትሕዝቶ ምዝርጋሕ፣ ኣብ ከተማ ጥራሕ ዘይኮነስ ብደረጃ ሃገር ተወዳዳሪ ሚድያ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም።
ናይ 6 ኣዋርሕ ፀብፃብ እቲ ትካል ዘቕረቡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ልምዓት ስትራተጂካዊ ምሕደራን ምህዞን ኣይተ ኣበበ ደሳለ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዕዉት ስራሕቲ ከምዝተካየደ ገሊፆም።
ከም ኣገላልፃ እቶም ዳይሬክተር ኣብታ ከተማ ዝተሰርሑ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኮሪደር ልምዓት ወሰን ሩባን ብዝያዳ ንህዝቢ ክግለፁ ተገይሮም እዮም።

ግብረ ሰናይ ንጥፈታት፣ ሓምለዋይ ኣሰር እግሪ፣ ህዝባውን ሃይማኖታውን በዓላት ብቐጥታ ፈነወ ንተዓዘብቲ ክበፅሕ ተገይሩ እዩ።
ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ጉዳያት፣ ዋጋ መነባብሮ፣ ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ ምእካብ እቶትን ፅሬት ከተማን ትኩረት ብምግባር ውፅኢት ተመዝጊቡ እዩ።
ኣይተ ኣበበ ወሲኾም፡ መራኸቢ ሓፋሽ ካብ ከተማ ወጻኢ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ልዑል ተራ ተጻዊተን እየን።
ብፍላይ ድማ ንመመረቕታ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሰፊሕ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐን ንንጥፈታት ሃገራዊ ኣማኻሪ ኮሚሽን ዘድሊ ሽፋን ሚድያ ከምዝተውሃበን ኣብሪሆም።
ብሓፈሻ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት ኣብ ኩሉ ናይ ምክፍፋል ኣማራጺታት (ቴሌቪዥን፡ ሬድዮን ዲጂታልን) ብዙሓት ውጽኢታውያን መደባት ንህዝቢ ከምዝቐረቡ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም፡፡