ኩነታት ሕማም በዲዶ ህበይ

You are currently viewing ኩነታት ሕማም በዲዶ ህበይ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 21 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ሕማም በዲዶ ህበይ ኣስጋኢ ኣብዘይኾነሉ ብርኪ ከምዝበፅሐ ሲ ዲ ሲ ፀብፂቡ፡፡

ኤም ፖክስ እናተባህለ ዝፅዋዕ ሕማም በዲዶ ህበይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ኣስጋኢ ኣብዘይኾነሉ ኩነታት ከምዝበፅሐ ኤ ኤፍ ፒ ን ሲ ዲ ሲ ብምጥቃስ ሓቢሩ፡፡

ዳይሬክተር ጀነራል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ሲ ዲ ሲ ጂን ካሰያ “ በዲዶ ህበይ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ኣፍሪካ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኣይኮነን ” ዝበሉ ኮይኖም እዚ ድማ ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ከበድቲ ሕማማት ዓቕሚ ከምዘጥረየት ዘርኢ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡ከምኡ እውን መራሕቲ ኣፍሪካን ሓገዝ መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ምቁፅፃር እቲ ሕማም ዓብይ ኣበርክቶ ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ከም ኣገላልፃ ሲ ዲ ሲ እቲ ሕማም ኣስጋእነቱ ከምዝነከየ ዕላዊ ክግበር ዝተኽኣለ ብመሰረት ሰብ ሞያ ጥዕና ህፁፅ ሓገዝ (Emergency Experts) ከምዝኾነ ኣረዲኡ፡፡

ህፁፅ ወፍሪ ምክልኻል ሕማም በዲዶ ህበይ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ወርሒ ንሓሰ 2024 ዝተኣወጀ እንትኸውን ሲ ዲ ሲ እውን ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እዋን ብብርኪ መላእ ኣፍሪካ ህፁፅ መምርሒ ምክልኻል እቲ ሕማም ብምእዋጅ ነቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ዝወፈረሉ ታሪኻዊ ዓመት ምንባሩ ካብቶም ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ትካል ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

ብተወሳኺ ካብ ፈለማ ክሳብ መወዳእታ ዓመት 2025 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ምልክታት እቲ ሕማም ዘርአዩ ብሚኢታዊ እንትግለፅ ናብ 40 ሚኢታዊ ዝነከየ እንትኸውን ቁፅሪ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ድማ ብ 60 ሚኢታዊ ነክዩ እዩ፡፡

ብተዛማዲ መጠን ሞት ድማ ካብ ዝነበረ 2.6 ሚኢታዊ ትሕቲ 1 ሚኢታዊ ብምውራድ ናብ 0.6 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ጂን ካሰያ ኣረዲኦም፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply