ኣብ ሰብ ትኹረት ዝገበረ ዘላቒ ስራሕቲ ልምዓት ንምርግጋፅ ብቆራፅነት ክሰርሕ እዩ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

You are currently viewing ኣብ ሰብ ትኹረት ዝገበረ ዘላቒ ስራሕቲ ልምዓት ንምርግጋፅ ብቆራፅነት ክሰርሕ እዩ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 20 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ኣብ ዝተጀመሩ ሰብ ትኹረት ዝገበረ ዘላቒ ስራሕቲ ልምዓት ንምርግጋፅ ብቆራፅነት ክሰርሕ እዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

እተን ከንቲባ ብምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 2018 በጀት ዓመት ናይ 6 ኣዋርሕ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ብቐፃሊ ትኹረት ኣብ ዝደልዩ ጉዳያት ኣድሂበን ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ ፣ ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ተረባሕነት ህዝቢ ንምዕባይ ብዝለዓለ ዓቕሚ ምፍፃም እቶም ዓወታት ንምቕፃል ከምዝስራሕ ኣረጋጊፀን።

ኣብ ዝኾነ ኩነታት ህዝቢ ብግቡእን ኣብ ምግልጋል ዘኽእሉ ቀፃሊነት ዘለዎ ጥንኹር ትካል ናይ ምህናፅ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣገንዚበን፡፡

እቶት ኣብ ከይዲ ምትእኽኻብ ብዝበለፀ ኣብ ምዝማን እታ ከተማ ተፈልፍሎ ዓቕሚ እቶት ብግቡእ ብምጥቓም ብትኹረትን ብምውዳድን ከምትሰርሕ ኣመላኺተን፡፡

ኣብ ስርዓት ንግዲ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ዝዋፈሩ ነጋዶ ብጥብቂ ብምቁፅፃር ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ሓቢረን።

ኣወሃህባ ግልጋሎት ብዝበለፀ ስሉጥን ውፅኢታውን ንምግባር ተጀሚሩ ዘሎ ግለጋሎት መሶብ ሓደ ማእኸል ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪበን፡፡

ኣብ መንጎ ትካላት ዘሎ ምትእስሳር ብምትሕብባር ንምጥንኻር ምስራሕ ይግባእ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ሓበራዊ ዕላማ ንምዕዋት ብምትሕብባርን ምውዳድን ምዃኑ ገሊፀን፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply