AMN PLUS-ትግርኛ 20 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ሓባሪ ኣንፈት ስዒበን ዝተጉዓዛ ዑደተኛታት ከቢድ በረድ ናብ ዘለዎ ከባቢ ከምዝኣተዋ ተሓቢሩ፡፡
ናብ ኣንዶራ ዘምርሓ ሰለስተ ዜጋታት ታይዋን ዝኾና ዑደተኛታት ብሓባሪ ኣንፈት ወይ ከዓ ጂ ፒ ኤስ እናተመርሓ ድሕሪ ምጉዓዘን ናብ ሓደገኛ በረድ ዘለዎ ዓቐብን ቁልቁልን ዝኾነ መንገዲ ብምእታወን ንምምላስ ከምዝተፀገማ ኦዲቲ ሴንትራል ፀብፂቡ፡፡
ሓባሪ ኣንፈት ወይ ከዓ ጂ ፒ ኤስ ምጥቃም ናብ ሓደ ቦታ ብዘይ ሓባሪ ኣካል ብዓርሰ እምነት ንምብፃሕ ዝሕግዝ ዘበናዊ ኣተሓሳስባ እኳ እንተኾነ ይኹን እምበር ጂ ፒ ኤስ ካብ ኣንፈት ወፃኢ ናይቲ ከባቢ ነባራዊ ኩነታትን መልክዕን ኣይሕብርን፡፡

እዚ ድማ ኣሉታዊ ጎኒ እቲ ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ ይግለፅ፡፡
ነዚ ስዒቡ ናብ ሃገር ኣንዶራ ብፀላም ማርቼድስ መኪና ንዑደት ዘምርሓ እዘን ሰለስተ ታይዋናውያን ደቂ ኣንስትዮ ጂ ፒ ኤስ ተጠቒመን ናብ ዝደለይኦ ቦታ ክኸዳ ከለዋ ከይሓሰብኦ ኣብ ከቢድ በረድን ንምጉዓዝ ዘይምቹን ቁልቁለትን ዓቐብን ዝኾነ ቦታ ብምእታው ንምምላስ ተፀጊመን እየን፡፡
ነዚ ስዒቡ እዘን ዑደተኛታት ካብቲ ኣፀጋሚ ቦታ ንምውፃእ ሓገዝ ዝሓተታ እንትኾና ወሃብቲ ህፁፅ ግልጋሎት ድሕንነት እውን ናብቲ ቦታ ብምብፃሕ ነተን ዑደተናታት ናይ ምድሓን ስራሕ ዝሰርሑ እንትኾኑ ነታ ኣብ በረድ ተረግሪጋ ዝነበረት መኪና ካብቲ ቦታ ንምውፃእ ሰለስተ ሰዓታት ወሲዱሎም እዩ፡፡
እተን ዑተኛታት ድማ ካብቲ ከባቢ ብሰላም ከምዝተመለሳ ዝተሓበረ እንትኸውን እቲ ሓበሬታ እውን ብማሕበራዊ ሚድያ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡
ኩሉ ጉዕዞና ድማ ብ ጂ ፒ ኤስ ጥራሕ ዝተደረኸ ክኸውን ከምዘይብሉ ካብዚ ዜና ምርዳእ ይክኣል፡፡