AMN PLUS-ትግርኛ 19 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ኤ ኣይ ኣብ ዝኾነ እዋን ልዕሊ ወዲ ሰብ ክኸውን ከምዘይክእል ተሓቢሩ፡፡
ኣንድሪው ፒዮነር ብዓል ሞያ መፅናዕትን ምምዕባልን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ እንትኸውን ድሕሪ ሕዚ ኤ ኣይ ምስ ዝተወሰኑ ጉድለታቱ እናማዕበለን እናተራቐቐን ብምኻድ ኣብ ሞንጎ ሰባት ዝተፈላለዩ ክትዓት ምልዓሉ ክቕፅል ምዃኑ ድኽሪ ምግላፅ ይኹን እምበር ኤ ኣይ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ልዕሊ ደቂ ሰባት ክኸውን ከምዘይኽእል ሓቢሩ፡፡
ኣንድሪው ኣብ ዓውዲ ኤ ኣይ ተመራማሪ ብምዃን ስርሑ ሀ ኢሉ ዝጀመረ እንትኸውን ድሒሩ ብመምህርነትን ኢንቨስትመንትን ከምኡ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ወሳኒ መሪሕነት ኤ ኣይ እናሰርሐ ዝርከብ ሰብ ብምዃኑ ኣብቲ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ዓሚቕ ፍልጠት ኣኻዕቢቱ እዩ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቻይና ኣብ ዝርከብ ዓብይ ትካል ቴክኖሎጂ ባይዱ ከም ላዕለዋይ ተመራማሪ ብምዃን ከምዝሰርሐ ድሕረ ባይትኡ ይሕብር፡፡
ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኤ ኣይ ልምዲ ዝወነነ ኣንድሪው ምስ ኤን ቢ ሲ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኤ ኣይ ኣዝዮም ዝገርሙ ስራሕቲ ዝሰርሕ ብምዃኑ “ዓብይ ዓቕሚ እዩ ዘለዎ” ክብል ይገልፅ እሞ ብዛዕባ ውሱን ምዃኑ ግና ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን፡፡

“እቲ ከቢድ ነገር ግና ኣብ ኤ ኣይ ዘሎ ኣወንታዊ ብሉፅነትን ውሱንነትን ዘሎ ሚዛን ብኸመይ ተፈላልዩ ወይ ከዓ ንምንታይ ውሱን ኮይኑ ዝብል ነገር ምፍላጥ እዩ፡፡”ይብል፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣማኢት ቢልዮን ዶላራት ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ኤ ኣይ ፈሰሰስ ተጌሩ እዩ፡፡
እዚ ድማ ኤ ኣይ ዘለዎ ሓይሊ ቢዝነስ ዘመላኽት እንትኸውን ልዑል ትኹረት ዝተውሃቦ ኢንዱስትሪ እውን ክኸውን በቒዑ እዩ፡፡
ብኣንፃሩ ኣብ ሕሉፋት ሒደት ኣዋርሕ ግና ሰባት ብ ኤ ኣይ ክደናገሩ እዮም ጀሚሮም፡፡
እዚ ድማ ኤ ኣይ ካብ ዝህቦ ዝተዛብዐ ሓበሬታን ኣብ ጥዕናዊ ጉዳያት ምስ ዘምፅኦ ሳዕቤንን ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ እቲ ፀብፃብ የረድእ፡፡
ኤ ኣይ ብዝተፈላለዩ መንግስታት ዝወርዶ ሕጊ ኣጠቓቕማ ወይ ከዓ ገደብ ድማ ካሊእ ሰባት ኣብቲ ቴክኖሎጂ ክጠራጠሩ ዝገበሮም ዛዕባ እዩ፡፡
እዞም ማኽለኻታት እንተሃለዉ እኳ ኣንድሪው ኣብ መፃኢ ኤ ኣይ ኣሉታዊ ስምዒት የብሉን፤እኳ ድኣስ ኤ ኣይ ብዙሓት ኣገረምቲ ስራሕቲ ምስርሑ ክቕፅል ምዃኑ ይዛረብ፡፡
ይኹን እምበር ዓቕሚ ኤ ኣይ ግና ልዕሊ ዓቕሚ ደቂ ሰባት ክኸውን ከምዘይኽእል ኣስሚሩሉ ኣሎ፡፡
ነዚ ዝበለሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ከይዲ ምልምማድ ኤ ኣይ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ብምግላፅ እንትኸውን ነዚ ድማ ሕዚ እውን ተወሳኺ ስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሩ ኣሎ፡፡
ኣስዒቡ “ንኤ ኣይ ቋንቋ ንምርዳእ ክስራሕ ከሎ ክንደየናይ ዝተሓላለኹ ስራሕቲ ከምዘለዉ ሰባት ኣይርድእዎን፤ ብዙሕ ድኻም እዩ ዝሓትት” ክብል ድማ ነቲ ሓሳብ ከራጉዶ ክኢሉ ኣሎ፡፡