AMN PLUS-ትግርኛ 18 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ባንኪ ዓለም ንኣጀንዳ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ብዘላቕነት ንምቕፃል ቆራፅ ከምዝኾነ ዳይሬክተር ማኔጂንግ እቲ ባንኪ ዌንቻይ ዣንግ ገሊፆም።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ዳይሬክተር ማኔጂንግ ባንኪ ዓለም ዌንቻይ ዣንግ ዘትዮም።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ ዘተ ነቶም ዳይሬክተር ማኔጂንግ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ ፕሮግራም ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ገለፃ ገይረምሎም።
እቲ ፕሮግራም ሪፎርም እቲ ኢኮኖሚ ብዓውዲ ውልቀ ንክምራሕ ንምግባር፣ፈልፍላት ዕቤት ኢኮኖሚ ንምስፍሕፋሕ፣ዲጂታል ኢኮኖምን ቱሪዝምን ንምዕባይ ከምኡ እውን ብኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ኣቢሉ ዞባዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ባንኪ ዓለም ንቁልፊ ዓውድታት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍን ኣብ ሪፎርምን ዓውድታት ትኹረት ልምዓትን ኢትዮጵያ ዘለዎ ወሳኒ እጃምን እውን ንኢዶም።
ዳይሬክተር ማኔጂንግ ባንኪ ዓለም ዌንቻይ ዣንግ ብግደኦም፤ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ምምሕያሽ ዕዳ ሓዊሱ በቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ዝወሰዶም ጠንካራ ስጉምትታት ብምንኣድ እቶም ዝተረኸቡ ውፅኢታት እውን ዝተባብዑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ባንኪ ዓለም ንኣጀንዳ ልምዓት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ፋይናንስ ኣቢሉ ዝገብሮ ዘላቒ ደገፍ ቴክኒክን ፋይናንስን ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ቆራፅ እዩ ኢሎም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘተኦም፤ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ዝበፅሖ ብርኪ ከምዝገምገሙ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።