ምእጋድ ዋትስኣፕ

You are currently viewing ምእጋድ ዋትስኣፕ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 10 ለካቲት 2018 ዓ/ም

ሩስያ መቐፀልታ እቲ ማሕበራዊ ሚድያታት ንምቁፅፃር ዝጀመረቶ ወፍሪ ንዋትስኣት ኣጊዳ፡፡

ሩስያ ንመተግበሪ ዋትስኣፕ ከምዝኣገደት ዝሓበረት እንትትከውን ኣብ ክንድኡ ዜጋታታት እታ ሃገር ማክስ ዝተብሃለ ኣብታ ሃገር ዝማዕበለ መተግበሪ ወይ ከዓ ኣፕሊኬሽን ክጥቀሙ ከምዝወሰነት ሲ ኤን ኤን ፀብፂቡ፡፡

መንግስቲ ሩስያ ቅድም ክብል ኣብታ ሃገር ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ሚድያታትን ሓዊሱ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ዝጥቀሙሉ ቴሌግራም ገደብ ዘብንበረት እንትትከውን ሕዚ ድማ ንዋትስኣፕ ምእጋዳ ይግለፅ ኣሎ፡፡

እዚ ድማ ንመተግበሪታት ወፃኢ ቦታ ብምስኣን ሃፍቲታት ሩስያ ንዝኾኑ መተግበሪታት ንምትብባዕ እውን ከምዝኾነ ተሓሩ፡፡

ይኹን እምበር ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዝኾኑ ዲሚትሪ ፔስኮቭ ዋትስኣፕ ምእጋድ ጥሕሰት መሰል ከምዝኾነ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም፡፡

እቶም ወሃቢ ቃል “ከም ዋትስኣፕ ዝበሉ መተግበሪታት ወፃኢ ምዕፃው ብዓይኒ ፖለቲካ ክርአ የብሉን” ክብሉ ተሰሚዖም፡፡

ዋትስኣፕ ልክዕ ከም ቴሌግራምን ፌስቡክን ብትካል ሜታ ዝውነን መተግበሪ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply