AMN PLUS-ትግርኛ 10 ለካቲት 2018 ዓ/ም
ኢትዮጵያ ብመባፅሕቲ ሃወፅቲ 15 ሚኢታዊ ብምምዝጋብ፣ ዓቢይ ዕብየት ካብ ዘመዝገባ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡፡
ሓዱሽ ዓመት ኣውሮፓውያኑ ካብ ዝኣቱ ኣብ ካልኣይ ወርሑ ኣብዚ ዓመት ዓውዲ ቱሪዝም ዓቢይ ፀብለልታ ከምዘመዝግብ ትፅቢት ይግበር፡፡
2025 ዓ/ም/ፈ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ዓለም ምንቕቓሕ ዝተርኣየሉ ዓመት እንትኸውን ኣብ ደቡብ ኤስያ እትርከብ ቡታን ዓቢይ ፀብለልታ ኣመዝጊባ፡፡
ኣብ 2025፡ 1.5 ቢልየን በፃሕቲ ዓዲ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጓዒዞም።
ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ዝርዝር እዘን ሃገራት ተኻቲታ ኣላ።
ሕቡራት ሃገራት ብመሰረት ዘቐመጦ ዓለማዊ መለክዒ ቱሪዝም፡ ቅድሚ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝነበረ ኵነታት ብምንጽጻር ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝግበር ምብፃሕ ገያሾ ብኣርባዕተ ሚእታዊት ወሲኹ።
ኣውሮፓ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ኣሃዝ በፃሕቲ ዓዲ ብምእንጋድ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣሃዝ በጻሕቲ ዓዲ ኣብ 2024 ካብ ዝነበረ ብ6 ሚእታዊት ዛይዱ ተራእዩ።
ከም ‘ቪዚት ኢትዮጵያ’ ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት፡ ከምኡ’ውን ምምሕያሽ ሆቴላትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን፡ ድሌት በፃሕቲ ልዑል ንክኸውን ካብ ዝደረኹ ምኽንያታት እዮም።
መስራቲ ትካል ኒውፓዝ ኤክስፐዲሽን ዮርግ ሳላስ-ጉቬራ፡ “ንነዊሕ እዋን ዓማዊልና ዝዀኑ ተጓዓዝቲ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምኻድ ድሌቶም ወሲኹ።
ንዓመታት ናይ መገሻ መደቦም ክልውጡ ዝፀንሑ በፃሕቲ ዓዲ’ውን፡ ኣብዚ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ንምጋሽ ድሉዋት’ዮም፡” ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ።
ዝተፈላለየ ናይ ኣደባባይ ፅንብላት ዝስሕቦም መናእሰይ ብዝሖም እናዛየደ ከም ዝመፅአ’ውን የረድእ።
ኣካያዲ ስራሕ ቲምቡክቱ ጆኒ ፕሪንስ ከም ዝብሎ፡ ካብ 2024 ክሳብ 2025 ኣብ ዘሎ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ንምኻድ ዘሎ ድሌት ብ40 ሚእታዊት ወሲኹ።