ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ መድረኽ ምኽክር ኣካይዶም

You are currently viewing ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይ መድረኽ ምኽክር ኣካይዶም
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 7 ለካቲት 2018 ዓ/ም

ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይኣብ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ምኽክር ኣካይዶም።

እዚ መድረኽ ምኽክር ”ሰላም ንህዝብና ለውጢ ንመፃኢ ተስፋና ”ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ ኮይኑ፣ኣብቲ መድረኽ ምኽክር መዛተይ ፅሑፍ ዘቕረቡ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ቅልጡፍን ዝተዋደደን ፍታሕ የድልዮ ኢሎም።

ነዚ ኣመልኪቶም ማኒፌስቶ እቲ ምንቅስቓስ ዘቕረቡ ኣይተ ኣሰፋ ከምዝበልዎ፣ካብ ብዙሕ ጥፍኣትን ዕንወትን ዘድሐነ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ብዘይምትግባሩን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ክልል ብዘሎ ጉጅለ ዓንቀፋይነትን ህዝብና ንተወሳኺ ፀገም ኣቃሊዕዎ ይርከብ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ፓርትን መንግስትን ምትሕውዋስ ንልዕሊ 30 ዓመታት እቲ ፀገም ክጋደድን ስልጣን ንዝበሓቱ ኣካላት ዘገልግሉ ሲቪል ሰርቪስ ለውጢ የድልዮ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣሰፋ ነዚ ንምፍታሕ ኣመራርሓን ኣባላት ደለይቲ ለውጢ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝፅበይዎም ገሊፆም።

ነዞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደዱ ይመፁ ዘለው ፀገማት ቀንዲ ምኽንያት ሓቛፋይ ግዝያዊ መንግስቲ ብዘይምጥያሹ እዩ ዝበሉ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ትግራይን ተደራዳሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ፣ኣብቲ ክልል ስልጣን ንምብሓት ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ጉጅለ ህዝቢ ድለየቱ ብግቡእ ተረዲኡ ካብዚ ጉጅለ ንባዕሉ ከርሕቕ ከምዝግባእ ምዒዶም።

ኣብቲ መድረኽ ንተደራደርቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝኾኑ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን ኣሰፋ ኣብርሃን ሓዊሱ ኣመራርሓን ኣባላትን ዓረና ትግራይ ንልኣላውነትን ዴሞክራስን፣ትንስኤ 70 እንደርታ፣ዴሞክራስያዊ ስምረት ፓርቲ ትግራይ፣ሹም ተምቤንን ባይቶናን ካልኦት ነጠፍቲ ፖለቲካን ተሳቲፎም።

ብምሩፅ ተስፋይ

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply