ደቂ ኣንስትዮ ንህንፀት ሰላም ዘይትካእ ግደ ኣለወን – ወ/ሮ ሊድያ ግርማ

You are currently viewing ደቂ ኣንስትዮ ንህንፀት ሰላም ዘይትካእ ግደ ኣለወን – ወ/ሮ ሊድያ ግርማ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 13 ለካቲት 2018 ዓ/ም

ደቂ ኣንስትዮ ንህንፀት ሰላም ዘይትካእ ግደ ከምዘለወን ሓላፊት ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ሊድያ ግርማ ገሊፀን።

“ጓል ኣንስተይቲ መሰረት ሰላም ዓንዲ ልምዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ ህጻናትን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣወዳድባ ደቂ ኣንስትዮ ብምትሕብባር መድረኽ ዘተ እናካየደ ይርከብ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ልዕሊ 2 ሺሕ ከካብ ክፍለ ከተማኡ ዝተወፃእፅኣ ደቂ ኣንስትዮ ተረኺበን ።

ሓላፊት ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ሊድያ ግርማ ከተማ አዲስ አበባ ዓበይቲ ፍፃመታት ብምትእንጋድ መዲና ኣፍሪካ ምዃና ኣመስኪራ እያ ብምባል ዘጋጥሙ ስግኣታት ፀጥታ ኣብ ምምካት ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዘይትካእ እዩ ኢለን።

ኣፈላላያት ብዘተ ንክፍትሑ፣ ሀገራዊ መረፃ ብዕውት መንገዲ ንኽካየድ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ናብ ትኽክለኛ መንገዲ ኣብ ምምራሕ ዘይትካእ ግደአን ንክዋፅኣ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply