ትንሳኤ ስፖርት ክልል ትግራይ ሰላምና ዘጠናክርን ዘብስር እዩ ክብሉ ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቦም።

Spread the love

AMN ትግርኛ 17 ሰነ 2016 ዓ.ም

ጋንታታትና ነድሕን ብዝብል ቴማ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ንጋንታታት ክልል ትግራይ ኣብ ሸራተን ሆቴል ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምስላጥ ይርከብ ።

ኣብዚ መድረኽ ፕሬዚዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ክዑሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስፖርትን ወኪላት ጋንታታት ከምኡ እውን ዑዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም እዮም።

ትንሳኤ ስፖርት ክልል ትግራይ ዘብስር ሰላምና ዘጠናክር መደረኽ ምትእኽኻብ እቶት ጋንታታት ትግራይ ዝነኣድ ጅማሮ እዩ ክብሉ ድማ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቦም።

ፕሬዝዳንት ፌዴሬሽን ክዑሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ብወገኖም ስፖርት ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ምዃኑ እዚ መድረኽ ኣብነት እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ሪፖርተር :- ሰለሞን ሸዊት

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply