ዑደት ፕሬዝደንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ

You are currently viewing ዑደት ፕሬዝደንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ
Spread the love

AMN ትግርኛ 26 ስነ 2016 ዓ.ም

ብፕሬዝደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ጕጅለ ላዕለዎት ሰብ ስልጣንን ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታዊ ትካላትን፣ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ራያ ብብርኪ ክልል ድሕሪ ምብሳር ምጅማር ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ፣ ብመስኖ ይለምዑ ኣብ ዘለዉ ከባብታት ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ጨርጨርን ዑደት ኣሳሊጦም።

ሓረስቶት እተን ወረዳታት ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ፣ ጎዳጕዲ ማይ መስኖ ብምዅዓት ዓርሶም ንምኽኣል እኳ እንተፀዓሩ፣ ሕፅረት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ፓምፕን፣ መሊኦም ናብ ልምዓት ከይኣትዉ ዕንቅፋት ከም ዝኾኖም ገሊፆም።

ብመስኖ ዘልምዕዎም ዝተፈላለዩ ኣሕምልቲ ገደናን ፍረምረን ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ዝያዳ ተረባሕቲ ከይኾኑ፣ ፀገም ምትእስሳር ዕዳጋ ከም ዝገጠሞም እቶም ሓረስቶት ወሲኾም ገሊፆም።

ፕሬዝደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፀገም እቶም ሓረስቶት ንምፍታሕ ትዅረት ሂቦም ከም ዝሰርሑሉ ሓቢሮም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply